Home Model youth/ትግርኛ

ሞዴላት መናእሰይ/MODEL YOUTHS

 

ዳሞ ገሊላ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ሞዴላት መናእሰይ

ድሕረ ባይታ/Background

ዳሞ ገሊላ ሕብረት ስራሕ ማሕበር 11 ኣባላት ዘለዉዋ ማሕበር እያ። እዞም ሞዴላት ዝርከቡሉን ዝሰርሑሉን ቦታ ከተማ ዓድዋ ኮይኑ ዝሰርሕዎ ዓይነት ስራሕ  ፋብሪካ ጫማ  እዩ። ሽም ትካሎም ዳሞ ገሊላ ጫማ ፋብሪካ ዓድዋ ይበሃል። ኣባላት እዛ ማሕበር ቅድሚ ናይ ባዕሎም ማሕበር መስሪቶም ፋብሪካ ምኽፋቶም ኣብ ገሊላ ፋብሪካ ጫማ ተቖፂሮም ይሰርሑ ነይሮም። ኣብኡ ብዝረኸብዎ ሞያ፣ክእለትን ዓቕምን ተጠቒሞም ናይ ባዕሎም ንምስራሕ ድሕሪ ምውሳን የካቲት 2002ዓ.ም ዕላዊ ስራሕ ጀሚሮም። መበገሲ ካፒታል እዞም መናእሰይ 200,000 ብር ኮይኑ 5,000 ካብ ልቓሕ እቲ ዝተረፈ ድማ ናይ ባዕሎም እዩ። ሕዚ ዘለዎም ካፒታል ልቕሖም ከፊሎም ልዕሊ 300,000 ብር በፂሑ ይርከብ። ትርፊ ክፍፍል ዝበሃል ኣይፈልጡን ኩሎም ብቑፃር መልክዕ 450 ብር ንወርሒ እናተኸፈሎም እዮም ዝሰርሑ። ኣብዚ ፋብሪካ ሓደ ጫማ ንምስራሕ 5ተ ክፍልታት/ Departments ኣለዉ።

 

  1. ክፍሊ ምቑራፅ(Cutting Department)

እዚ ክፍሊ እቲ ቆርበት ፀጉሩ ተገፊፉ ምስ መፀ ካብቲ ዝነበረ ደረቕ ናይ ቆርበት መልክዕ ጫማ ንምስራሕ ናብ ዝጥዕም መልክዕ ዝቕይር ክፍሊ እዩ።

 

 

 2. ክፍሊ ምልሓፅ/Splitting Department

 

እቲ ዝተቖራረፀ ቆርበት ዝፈሓቖሉን ናብ ረቂቕ ዝቕየረሉን ክፍሊ ክፍሊ ምልሓፅ ይበሃል።

 

 

 

    3.ክፍሊምድላው/Preparation Department

እቲ ቆርበት ምስ ተፋሕቐ ብጣዕሚ ረቂቕ ኮይኑ ንደረጃ ጫማነት ከገልግል ኣብ ዝኽእል ደረጃ ዝበፅሐሉ ክፍሊ እዩ። 

 

 

 

 

4.ክፈሊ ስፌት/sewing Department

እዞም ሰለስተ ክፍልታት ተጠናቒቖም እቲ ዝተዳለወ ቆርበት ናብ ሶል ንምልጣፍ ብዘኽእል መንገዲ ዝሰፊ ክፍሊ እዩ።

 

 

5.  ክፍሊ ውጠራ/Finishing Department

እቲ ዝተዳለወ ሶልን ዝተሰፈየ ቆርበትን ብማስቲሽን ካልኦት ዝተፈላለዩ መጣበቕቲ ነገራትን ተጠቒIምካ ናይ መወዳእታ ጫማ ናይ ምስራሕ ከይዲ እዩ።

 

 

 

     ደረጃ ትምህርቲ/Educational Level

ደረጃ ትምህርቲ እዞም ሞዴላት መናእሰይ ዝምልከት ሓደ ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዎ እንትኾን እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ድማ ብዘተፈላለየ ሞያ ዲፕሎማ ዘለዎም እዮም።

 

እዞም ሞዴላት መናእሰይ እንታይ ይብሉ?

  • ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ኢኮኖሚ ከዕቢ ዘኽእል ስራሕ ኩሉ ሕ/ሰብ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ክሰርሐሉ ይግባእ። ህዝቢ ካልኦት ሃገራት ዝበልፁና ስራሕ ከይነዓቑ ስለዝሰርሑ እዩ እሞ መንእሰይ ስራሕ ክንዕቕ የብሉን። ፋብሪካ ኣብ ናይ ሕድሕድና ርእሲ ኣሎ እንጠቐመሉ።
  • ህዝቢ ካልኦት ዓድታት ንምህርቶም ባዕሎም ክብሪ ብመሃብን ኣቐዲሞም ባዕሎም ምጥቃም ስለዝጅምሩ እዩ ምህርቶም ተመራፅን ተጠላብን ዝኸውን። ስለዚ ሕ/ሰብና ምህርትና ብምግዛእን ለቢሱ ብምፍላጥን ክተሓባበረና ንላቦ።
  • ኣብ ስራሕትና ጉድለት እንተሃልዮም ምኽርን ሓበሬታን ለግሱልና ንምቕባል ድልዋት ኢና።
  • ካብ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ልቓሕ፣ ኣብ ናይ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠናን ኣብ ዕዳጋ ምእስሳርን ደገፍን ክትትልን ክግበረልና ንደሊ ኢና።
 
 

model youth will be added here
 


Rate TYA's Progress

Rate TYA's Progress
 

Random Photos

  • An Image Slideshow
  • An Image Slideshow
  • An Image Slideshow
  • An Image Slideshow
  • An Image Slideshow
  • An Image Slideshow

Time

Who is online?

We have 29 guests online


share this site

Share on facebook

All rights Reserved Tigray youth Association!.
Designer and Developer: Haileselassie Tsegay

Website counter